Tigrinja

Systembolaget ኣልኮላዊ መስተታት ናይ ምሻጥ ብሕታዊ መሰል ዝተውሃቦ መንግስታዊ ሰንሰለት መደብራት እዩ። መሻጣና ኣብ ዘይመኽሰባዊ ኣሰራርሓ ተደሪኹ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ እንገብረሉ ምኽንያት ኣልኮል- ተንከፍ ዝኾኑ ጸገማት ንምንካይ እዩ። ውልቃዊ መኽሰብ ናይ ምኽዕባት ድሌት ዘይብልና ክንከውን እንከለና፣ ዓማዊልና ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተታት ብዙሕ ክዕድጉ ነተባበዐሉ ምኽንያት የብልናን፣ ዕድመኦም ትሕቲ 20 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት እውን መስተ ኣይንሸይጥን።

ኣኣ Systembolaget ዕደጋ ንምግባር፣ ድመኻ እንተወሓደ 20 ዓመት ክትገብር ኣለካ። ሕድሕድ ኣልኮል ዝዕድግ ሰብ ኣብ እንሓቶ እዋን ዕድመኡ ዝገልጽ ታሴራ ከቕርብ ኣለዎ። 

ዕድሚኡ ትሕቲ 20 ዓመት ንዝኾነ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ይሸይጥ እዩ ኢልና ዝጠርጠርናዮ ሰብ፣ ዘቕርቦ ናይ ዕደጋ ሕቶ ኣይንቕበሎን። 

ዘይሰኸርካ ሰብ እንተኾንካ፣ ኣብ Systembolaget ክትዕድግ ብታሕጓስ ንቕበለካ። 

  • ንሕና እንሕዞም ብዙሓት ዓይነታት ፍርያታት ኣብ መላእ ሃገር ይርከቡ።
  • ንሕና ንኹሉ ፍርያታት ብማዕረ ኢና ነተኣናግድ። ንሕና ብሉይ እንሓርዮ ወይ እነግልሎ ኣቕራቢ ውልቀሰብ ወይ ብራንድ የለን።
  • ንሕና መኽሰብ ከነኻዕብት ስለዘይንሰርሕ፣ ልዑል መሸጣ ከነመዝግብ ኣይንጽዕርን።